ኣብ ሆስፒታል ኦስሎ ተገልገልቲ ምኽሪ እትረኽበሎም ሰዓታት ለውጢ ተጌሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኦስሎ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ናይ ተመላለስቲ ሕሙማት ክሊኒክ ረኽሳዊ ሕማማት፣ ሰራሕተኛታቱ ብከላ -ምሕማም- ኮሮናዊ ለበዳ፣ ስለዘጋጠሞም ነዚዝስዕብ ለውጥታት ምግባሩ ይሕብር ኣሎ።

scheduleOppdatert: 21.12.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ኣብ ግዜ ልደት፣ እቲ ምምኽኻር ምስ ሓካይም ብመገዲ ቴለፎን ክግበር እዩ። ኩሎም ናይ ደም መርመራታት ግን በቲ ልሙድ ኣገባብ ክቕጽሉ እዮም።

እቶም ሓካይም ነቲ ዝመጸኦም ናይሕሙማት መርኣያ -ናይ ደም- መርሚሮም፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድሕር- ርክብ ምስ ሕሙማት መድሃኒት ክእዝዙን ዘድሊ ሓበሬታ ክጽሕፉን እዮም።

እቲ ሓኪም ግዜን ዕድልን እንተረኺቡ፣ እቲ ደሙ ዝተመርመረ ተገልጋሊ -ሕሙም- ኣብ ሓደ ኣቐዲሙ ስምምዕ ዝተገብረሉ ሰዓት ብቴለፎን ደዊሉ ዝርርብ ከካይድ‘ዩ።

እንተድኣ እቲ ሓኪም ስራሕ በዚሑዎን፣ ካብዚ ጉዳይ ዝበርትዐ ካልእ ቀዳምነት ዘለዎ ዕማም ረኺቡ ግን፣ ኣብ ክንዲ ኣካላዊ ርክብ፣ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ክሰድድ እዩ። እቲ መልእኽቲ ኣብዚ ዝስዕብ ክርከብ ይከኣል፣

helsenorge.no

ደም ምርመራ ክውሰዱ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ።

ሓለቓ ሓኪም በንተ በርገርሰን (Bente Bergersen) ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኪሊኒክ ዝሰርሕ፣ ኩሉ ቆጸራ ዝተዋህቦ ሰብ ናይ ደም መርመራ ክገብር ክፍቀደሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ይጸቕጠሉ። እቲ ሕክምናዊ መርመራ ወይ ዘተ ብቴለፎን ወይ ብኢንተርነት ኪካየድ እዩ። ኣድራሻ‘ቲ ኢንተርነት ዝስዕብ እዩ። helsenorge.no

እዚ ለውጢ ካብቶም ፈለማ ዝተኣታተዉ ናይ ሕሙማት ማለት ተገልገልቲ ምምርማር ወይ ምምኻር ዝነበረ እዩ። ንመደብ ናይ ዕለት 17 ታሕሳስ 2021-7 ጥሪ 2022 ድማ ክትክእ እዩ። ንኹሎም እቶም እዚ ለውጢ ዝምልከቶም ሕሙማት -ተመርመርቲ- መልእኽቲ ክለኣኸሎም እዩ።

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።