በየኖት መገድታት ይመሓላለፍን ብኸመይ ነፍስኻ ትከላኸልን

ዕዉት ሕክምና ዝግበረሎም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ደሞም ቫይረስ ዘይዕቀነሎም ንካልኦት ሰባት አችኣይቪ ከመሓላልፉ ኣይክእሉን እዮም። ከምኡውን አችኣይቪ ብማሕበራዊ ርክባት፡ምሕቋፍ፡ምስዓም፡ሓደ ኩባያ ብምጥቃም ወዘተ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

አችኣይቪ መብዛሕትኡ ግዜ ክመሓላለፈሎም ዝኽእል መገድታት ምስ ሕክምና ዘይግበረሉ ዘሎ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ ብምስግጋር ደም፡ ብጥንሲ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል፡ ሕርስን ጸባ ጡብ-ኣደ ምጥባብን እዮም።  

ነፍስና ካብ አችኣይቪ ክንከላኸለሉ ዘኽእለና ብዙሓት ኣገባባት ኣሎዉ: 

ዕዉት ሕክምና አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዕዉት ሕክምና ይግበረሎም ክሳብ ዝሃለወ አችኣይቪ ከመሓላልፉልካ ብጭራሹ ዝኾነ ተኽእሎ የለን። እዚ ማለት እቲ ሰብ ሕክምንኡ ብግቡእ ይኽተልን ኣፋውሱ ብቐጻሊ ይወስድን ክሳብ ዝሃለወ ኣብ ደሙ ዘሎ ቫይረስ ካብ ምሒር ምትሓቱ ብዘይ መከላኸሊ ዝካየድ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም፡ ብጥንሲ ወይ ብሕርሲ ከመሓላልፍ ኣይክእልን እዩ።  

ኮንዶም ካብ አችኣይቭን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ይከለኻለልና እዩ፡ ኣብዚ www.gratiskondomer.no ብምእታው ድማ ብነጻ ክጥለብ ይከኣል።   

PrEP ዝበሃል (preeksponeringsprofylakse) ኣፋውስ አችኣይቪ ኮይኑ ንአችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት እዩ ዝወሃብ፡ መታን ብአችኣይቪ ከይልከፉ ክከላኸለሎም። እዚ PrEP ዝበሃል መከላኸሊ ፈውሲ ንኽወሃበካ ቀዋሚ ሓኪምካ ናብ ክሊኒክ-ኦላፍያ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሆስፒታል ዎርድ ረኽሳዊ ሕማማት ሪፈር ክብለካ ኣሎዎ።    ንኽሓልፈካ ልዑል ተኽእሎታት ዘለዎ ኩነታት እንተደኣ ተቓሊዕካ ኮይንካ ድማ PEP (posteksponeringsprofylakse) ዝበሃል ፈውሲ ክወሃበካ ይኽእል፡ ንሱ ድማ አችኣይቪ ቫይረስ ኣብ ዋህዮታትካ ኣትዮም ከይፋረዩ እዩ ዝከላኸል። እዚ PEP ዝበሃል ፈውሲ ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ ግዜ ክውሰድ ዘለዎ ኮይኑ ንመልከፍቲ አችኣይቪ ካብ ዝተቓላዕካሉ ግዜ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክውሰድ ዘለዎ እዩ። እዚ ፐፕ ዝበሃል ፈውሲ ን 28 መዓልታት እዩ ዝውሰድ። ኩለን ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ተቐበልቲ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ተሓከምቲ ወይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከባ ሕክምናታት ህጹጽ ረድኤት ምስ ሓኪም ረኽሳዊ ሕማማት ከይተማኸራ ብቐጥታ ባዕለን ንፈውሲ PEP ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ክህልወን ኣሎዎ።

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።