መርመራ አችኣይቪ ምውሳድ

አችኣይቪ ኣለካ ድዩ የብልካን እንኮ ክትፈልጠሉ ትኽእል ኣገባብ መርመራ አችኣይቪ ብምግባር ጥራሕ እዩ።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

እዚ መርመራ ኣብ እንዳ ቀዋሚ ሓኪም፡ ኣብ ገሊአን ማሕበራት፡ ከምኡውን ኣብ ገሊአን ክሊኒካት ከም Olafiaklinikken(ክሊኒክ-ኦላፍያ)ን Sex og samfunn(ማሕበር ጉዳያት ጾታዊ ርክብን ሕብረተ-ሰብን)ን  ዝኣመሰላ ክውሰድ ይከኣል።  

ክልተ ዓይነት መርመራታት እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ንቡር ደም መርመራ ኮይኑ እቲ ውጽኢት ክመጽእ ኣስታት ሓደ ሰሙን ይወስድ። ቅልጡፍ መርመራ ዘመርምራ ማሕበራት ውን ኣለዋ፡ ሽዑ ውጽኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ይመጸካ. ከም ኣብነት Helseutvalget(ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና)ን Minuttesten(ቅልጡፍ ናይ ሓደ ደቒቕ መርመራ)ን ኣለዉ።  

መብዛሕትኦም ብአችኣይቪ ዝልከፉ ሰባት ድሕሪ ምልካፎም ካብ 2 ክሳብ 6 ሳምንታት ምስ ሓለፈ እዩ ኣብ ውጽኢት መርመራ ብአችኣይቪ ከምዝተለኽፉ ዝርአ። ንገለ ውሑዳት ሰባት ውን ቅሩብ ካብዚ ዝነውሐ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ፡ ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብ ክልከፈሉ ዝኽእል ኩነታት ድሕሪ ምንባሩ ከም መሓለውታ ድሕሪ 12 ሳምንታት መርመራ ክገብር ምኽሪ ይወሃቦ።  

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።