ሕጋዊ መዳያት

አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ገለ መሰላትን ግዴታታትን ኣሎዎ። ብመሰረት ሕጋጋት ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንአችኣይቪ ዝግበረሉ ሕክምናታት ብምሉኡ ኣብ ኖርወይ ብነጻ ስለዝኾነ ርእሰ-ብጽሒት ውን ኣይትኸፍለሉን ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከማን ኣብ ሓኪም ስኒ ተውጽኦም ወጻኢታት ክምለሱልካ ይኽእሉ እዮም።

scheduleOppdatert: 16.12.2022

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

አችኣይቪ ከምዘለካ ናይ ምሕባር ግዴታ የብልካን። ኮይኑ ከብቅዕ ንሓኪም ብግሉጽነት ክትሕብሮ ኢና ነማኽረካ። መታን እቲ ሓኪም ጥዕናኻ ብጽቡቕ ኣገባብ ክከታተሎ ክበቅዕ፡ ከምኡውን ካልእ ዝግበረልካ ሕክምናታት ንፈውሲ አችኣይቪ ዝጸሉ ከይከውን ክሕልወልካ ክበቅዕ ናይ ተሓካሚኡ አችኣይቪ ክፈልጦ ኣገዳሲ እዩ።  

ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 237 ከበድቲ ሕማማት ኣብ መንጎ ሰባት ንኸይመሓላለፍ ዝቕይድ ዓንቀጽ እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ ምትሕልላፍ ሕማም ዝብል ተገሊጹ ኣሎ፡ ግን እቶም በዚ ዓንቀጽ ዝቕየዱ ኩነታት እቲ ሕማም ንኽመሓላለፍ ክውንነታዊ ስግኣት ዘሕድሩ እዮም። ንካልእ ሰብ ንአችኣይቪ ምቅላዕ በዚ ዓንቀጽ እዚ ክቕየድ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ብዙሕ ሕድገታት ዝግበረሎም ኩነታት ግን ኣሎዉ።  

  • ዕዉት ሕክምና ክሳብ ዝተገብረልካ ንካልኦት ሰባት ከተመሓላልፍ ብጭራሹ ዝኾነ ተኽእሎ የለን። ጾታዊ ርከብ ክፍጸም ከሎ ንኸይመሓላለፍ ንምክልኻል ዝተኻእለካ ክሳብ ዝገበርካ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ ኢኻ። እዚ ማለት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ሕክምና ይግበረሎም ክሳብ ዝሃለወ ወይ ኮንዶም ክሳብ ዝተጠቐሙ ክቕጽዑ ኣይክእሉን እዮም።  
  • እቲ መፋጽምቲ ጾታዊ ርክብ ኣቐዲሙ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎታት ከምዘሎ እንዳፈለጠ ብምርጭኡ እንተደኣ ፍቓዱ ብምሃብ ኣብቲ ኩነታት ተሳቲፉ እቲ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ስለዘመሓላለፈሉ ወይ ንምትሕልላፍ ስለዘቃለዖ ክቕጻዕ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ናይ ምሕባር ግዴታ ኣለካ ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እቲ ምሳኻ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ዘሎ ሰብ ተሓቢሩዎ ከሎ ክነሱ ብፍታዉ ‘’ንኽሓልፎ ዘሎ ተኽእሎታት ንነፍሱ ከቃልዓ’’ እንተደኣ መሪጹ እቲ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ክቕጻዕ ኣይክእልን እዩ። እንተደኣ እቲ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ሕክምና ዘይግበረሉ ሃልዩ ኮይኑ፡ ከምኡውን ንኸይመሓላለፍ ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ስጉምትታት እንተዘይ ኣተኣታትዩ ግን ነቲ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ሰብ ከይሓበሮ እንተደኣ ተሪፉ ይሕለፎ ኣይሕለፎ ብዘየገድስ ከቕጽዕ ይኽእል እዩ።  
  • ኣመንዝራታትን ብመርፍእ ዝውግኡ ውሉፋት ዕጸ-ፋርስን እንተደኣ ኣመሓላሊፎም፡ ከምኡውን ካብ ኣደ ናብ ውላድ ዝመሓላለፍ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ እዮም።  

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።